giovedì 19 marzo 2009

ስርዓት ኢሳይያስ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ምስናይ ቅርስታተን ብምህጋር፡ ናብ ወታሃደራዊ ማዓስከርን፡ ቤት ማእሰርትን ክቕይርን መደብ ኣውጺኡ፡፡

Wednesday, 18 March 2009 ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ። እቲ ስርዓት ነቶም ኣብ ውሽጢ ‘ተን ገዳማት ዘለዉ ባሕታውያንን መነኮሳትን ናብ ትውልዲ ዓድታቶም ፋሕ ብምባል ነቲ መደብ ክሳብ መወዳእታ 2010 ከተግብሮ ወጢኑ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ዕማም ‘ዚ ንምስላጥ ባጀት ተፈልዩ፡ ኣቶ ይፍታሄ ዲመጥሮስን ኣቶ በየነ ርእሶምን ከኣ ነቲ መደብ ንምትግባር ብሓላፍነት ተመዚዞም ኣለዉ። ኣብዘን ገዳማት ንዝነብሩ ፈለስትን ባሕታውያንን ብሓይሊ ንምእላይን ንምብስባስን፡ ከምኡ ‘ውን ንመናድቕ ናይተን ገዳማት ብምፍራስ ንቤት ማሕቡስ ብዝጥዕም ኣገባብ ንምውዳድ ከኣ ሓደ ፍሉይ ክፍለ ሰራዊት ተመዲቡ ኣሎ። እተን መዓት ተኣሊሙለን ዘሎ 22 ገዳማት፡ ቅርስታተን ጥራይ ዝህገር፡ ቅርስታተን ተሃጊሩ ናይ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝቕየራ፡ ቅርስታተን ተሃጊሩ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዝቕየራ ተባሂለን ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ተኸፍፊለን ኣለዋ። ዝርዝር ኣስማተን ከኣ እዚ ስዕብ እዩ። ሀ. ቅርስታተን ጥራይ ዝህገር 1. ቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ኣስመራ 2. ገዳም ኣቡነ ፊሊጶስ ደብረ-ቢዘን ለ. ቅርስታተን ተወሲዱ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝቕየራ 1. ገዳም ደብረሲና ዞባ-ዓንሰባ 2. ገዳም ደብረጽጌ ተኽላ ዞብ-ደቡብ 3. ገዳም ኣቡነ- ዮናስ ደብረ-ድሓን ቋሓይን ዞባ-ደቡብ 4. ገዳም ደብረ-መንቆርዮስ ቆላ- ሰራየ ዞባ-ደቡብ 5. ገዳም ኣንዳማርያም ዓይላ ዞባ ደቡብ 6. ገዳም ኣቡነብሩክ መራጉዝ ዞባ ደቡብ 7. ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ጽልማ 8. ገዳም ኣቡነ ብጻ-ኣምላክ ውጡሕ ዞባ ደቡብ 9. ገዳም ምድረ ፈላሲ ማይ ጫዕዳ ዞባ-ደቡብ 10. ገዳም ኣቡነ-ሊባኖስ ደረጨን ዞባ-ደቡብ 11. ገዳም ኣቡነሊባኖስ ዝባውንቲ ዞባ-ደቡብ 12. ገዳም እንዳ ስላሴ ዳምባ ዞባ-ማእከል ሐ. ቅርስታተን ተወሲዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝቕየራ 1.ገዳም ክንፈሚካኤል ጻዕዳእምባ ዞባ ዓንሰባ 2 ገዳም ደብረ ማርያም ቋሓይን፡ ዞባ ደቡብ 3.ገዳም እንዳ ኣቡነኣብሳዲ ቋሓይን ዞባ ደቡብ 4.ገዳም ኣቡነ እሴት ዛይደኮሎም ዞባ ደቡብ 5.ገዳም ማርያም ቁስቋም ጽልማ ዞባ ደቡብ 6. ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ቤትመጣዕ ዞባ ደቡብ 7. ገዳም ኣቡነ ዮውሃንስ ቴድሪር ዞባ ደቡብ 8. ገዳም ድብሪ ዓዲ-ወሰኽ ቋሓይን ዞባ ደቡብ እዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ገዳማትን ኣብያተ-ተክርስትያናትን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባህላውን ማሕበራውን ፖለቲካዊን መዳያት ሃገርና ዓሚቝ ሰረት ዘለወን ሃይማኖታዊ ትካላት እየን። ገለ ካብኣተን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብሌዋውያን ዝተመስረታን፡ ብህዝቢ ዝመሓደራን፡ ንህዝቢ ዘመሓድራን፡ ካብ ነፍሲወከፍ ዓድታት ሰባት ተመዚዞም ውሉደ-ክህነት ዝፈርዩለንን፡ ንመነባበሪ ዝኸውን “ቆሎ-መሬት“ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልሙዕ መሬት ተፈልዩለን ክካየዳ ዝጸንሓ እየን። “ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ‘ዘን ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ክወስዶ ወጢኑዎ ዘሎ ውሳኔ ምስ ምብራስን ምፍንቓልን ናይተን ናብ ጋሽ- ባርካ ከግዕዘን መደብ ሓንጺጹለን ዘሎ 88 ዓድታት ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ሎሚ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ክጅመር ተሓሲቡ ዘሎ ስጉምቲ፡ እቲ ስርዓት ጽባሕ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብካቶሊክን ከኒሻን ተኸተልቲ ምስልምናን ዝውነን ንብረት ንምውራስ ዘለዎ ውጥን መፈተኒ እዩ” ይብሉ እቶም ምንጭታት።

Nessun commento: