domenica 21 agosto 2011

ኣውያት ካብ ፍትሒ ዝሰኣኑ ኣብ ከሰላ ተዳጒኖም ዘለዉ መንእሰያት


እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት እዚኣቶም፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዘይጽወር ጭካኔ ስርዓት ህግደፍ፡ ነታ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ንዝፈትውዎም ክቡራት ወለዶምን ራሕሪሖም፡ መጀመርያ ናብ ጐረባብቲ ኢዮም ዝኣትዉ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘግጥሞም ጸገማት ድማ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኰነን። ጸማም እዝኒ ደኣ ሂባቶ እምበር፡ ዓለም ብዓለማ ጸገማቶም ትፈልጦ ኢያ።
ኣብ’ዛ ንእሽቶ ኤርትራ ዘላ ከተማ ከሰላ ክንድ’ዚ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ እሞ ከኣ፡ መንነት ናይ ስደተኛታት  ካብ ዝምልከቶ ቢት ጽሕፈት ዝረኸቡ፣ ብዘይ ፍርዲ፡ ብዘይ እኹል መግብን ማይን፡ ብዘይሕክምናዊ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ርህራሄን ንሰለስተ ወርሒ ይሳቐዩ ምህላዎም ኢዩ።
እዞም ስደተኛታት፡ ካብ 2 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ኢዮም። ኣብ መንጐኦም 12 ደቂ ኣንስትዮን፡ ሻም ሙሳ ዓሊ እተባህለ ወዲ 2 ዓመት ህጻንን ይርከብዎም። 40 ካብ’ቶም ስደተኛታት ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ብኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ዝተዋህቦ ኢዮም።
ዝርዝር ኣስማቶም ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።
1. ሰናይት ተዓረ
2. ዮዲት ርእሶም
3. ሉችያ ሃብተገብርኤል
4, ሃይማኖት ኣብርሃ (ጥንስቲ ብጽሕቲ ወርሒ)
5. ምሕረት ኣብርሃ
6. ኣበባ ስዩም (ጥንስቲ ብጽሕቲ ወርሒ)
7. ኤልሳ ገብረክርስቶስ ምስ ወዳ ሻም ሙሳ ዓሊ)
8. ኣድሓነት ገብራይ
9. ዘፈር ገብረገርግስ
10. ብርሃን ለማ
11, ሄለን ክፍሎም
12, ልዋም ዘርኡ
13. ከሰተ ሃይለ
14. ሚኪኤል ተስፋሚካኤል
15. ዑቝባይ ብጹእኣምላክ
16. ዓብለሎም በየነ
17. ሃብተኣብ ገብረንጉስ
18. ኪዳነ ተስፋይ
19. ዳኒኤል ኢዮብ
20. ጸጋይ ኣብርሃም
21. ጽገ ጠዓመ
22. ሕሩይ ጊላጋብር
23. ስብሓት ገብረሂወት
24. ብያት ጐይትኦም
25. ተኽለብርሃን
26. ዓወት ጸጋይ
27. ሳምሶን
28. ኣስመሮም
29. ሚኪኤል
30. ዓወት
31.  ማጆር
32, ጠዓመ
33. ተስፋይ ተኽለ
34. መዓሾ
35. ኤግረም
36. ኣንገሶም
37. ሚኪኤለ
38. ኮኾብ
39. ጐይትኦም
40. ኣተወብርሃን
41. ዑቝባሚካኤል
42. ዑመረዲን
43. ትስፋይ
44. ወልደገርግስ
እዞም ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ መንእሰያት ካብ 6 ግንቦት 2011 ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጨካን ቤት ማእሰርቲ ሽማል ሓለንጋ (ሰሜን ሓለንጋ) ዝተባህለ ኣብ ከሰላ ጽርከብ ቢት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኢዮም። 
ሽግራቶም  ኣብ ዝሓጸረ እዋን መፍትሒ ክርከበሉ፡ ንኤርትራውያንን  ማሕበረሰብ  ዓለምን ጻውዒቶምን ኣውያቶምን የቕርቡ ኣለዉ።

Nessun commento: