domenica 12 agosto 2018

ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ


ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ
ካቶሊካውያን ምእመናን ደቂ-ሃገርን፤
ንዅሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን
ዝተጻሕፈ
 
ሓዋርያዊት መልእኽቲ
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
ነሓሰ 2004


መባእታ
1. * ብፍቓድ እግዚኣብሔርን፣ ብሥምረት መንበረ-ጴጥሮስን፥
    * ናይ’ታ ኣብ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጓሶት ካብ ዝኾኑ ጳጳሳት
    * ካብ’ዛ ሃገር ተበጊሶም ኣብ ኵለን ሃገራት ናብ ለዉ ካቶሊካውያን ምእመናን፥
    * ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፥ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታናን ጸጋን ሰላምን
        ነኣኻትኩም ይኹን (1ቆሮ.1 1-2)
      ማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ ብዝተፈላለየ ሰብ-ሰርሖ ግድላትን ማዕበላትን እናተጸፍዐ ኣብ ዚህወኸሉ gን፣ ብክርስቶስ ምእማንኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለዝተሰምዐት፣ ቅድሚ ኵሉ ብዛዕባ ኵላትኩም ንኣምላኽና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና፣ ከየቋረጽና ኵሉ ጊዜ ኣብ ጸሎትና ንዝክረኩም (ሮሜ.1 8-9)
እግዚአብሔር ሕደረሎም ርድኢትን ብዝሃቦም ምድራዊ በረኸትን ተሓጊዞም ናይ ዑቕባ ዕድል ዝሃቡኹም፣ ኣብ መንጎኦም እትነብሩ ሃገራትን ሕዝብታትን፣ ብፍላይ ከኣ እተን ብኃልዮት ኣምላኽን ብናይ እንተላዕለ ኲሉ ቤተክርስትያን ኃልዮትን ተደሪኸን ዚስዕባኹምን ዚጓስያኹምን ሰበኻታትውን፣ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ብመንፈስ ምስጋና ንዝክረን ኣሎና።
ንእምነት-ክርስትናን መንፈሱን ኣብ ዚፈታተን፣ ፈጺሙ’ውን ኣብ ዚነጽግ ዓለም ኮይንኩም እምነትኩም ንምሕላውን፣ በዛ እምነት ተመሪሕኩም ንምንባርን እትገብርዎ ጻዕርን ትግሃትን ተገንዚብና፥ በታ ላትና እምነት ንሓድሕድና ምእንቲ ክንጸናናዕ (ሮሜ.1 12) ንጽሕፈልኩም ኣሎና። ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን (11 1) ከምዚንገረና ድማ፥ እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከምንረኽቦ ዜረጋግጽ ብምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ብተስፋ ከምዝደሓንና (ሮሜ፣ 8 24) ስለእንፈልጥ፥ እስኪ ብተስፋ ንበርትዕ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኬንያን ንዚነብሩ ምእመናንና ኣብ ዝገበርናዮ ሓዋርያዊ ዑደት (ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፤ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ) ብዘዋህለልናዮ ተመክሮን ትዕዝብትን ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ (ብ3 ግንቦት 2004) ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ሮማ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ምእመናን-ስደተይናታት ዚርኢ ዝሃበቶ መምርሕን ማዕዳን ዝሓዘ ሰነድ (ኤርጋ ሚግራንተስ ካሪታስ ክርስቲ = ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ-ሰደተይናታት) ምኽንያት ብምግባር፣ በዛ ሓዋርያዊት መልእኽትና ምሳኻትኩም ክንዋሳእ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ። ናይ ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕገቀኖና ከኣ ነዚ እንገብሮ ዘሎና ብሥርዓት ዚእዝዞ እዩ።
==========================================================

“ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዚመጽእ፤ ኃይሊ-ኣምላኽ ኪሕልወኩም እዩ። ሽሕ’ኳ ሕጂ ንቝሩብ ግዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተኾነ፤ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም”። እዚ ከኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ ግዜ ብሓዊ ይኰላዕ እምበር በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ዋጋ ኣለዋ። ከመይ ኢየሱስ ኪግለጽ ከሎ፤ ምስጋናን ስብሓትን ከተምጽኣልኩም እያ። (1ጴጥ.1፣5-7)

==========================================================


1 ክፍሊ
ካብ ኀልዮት-ቤተክርስትያን
ውጹኣት
ኣይኮንኩምን
2.  ብምኽንያት ሃለgቶም ኣብቲ ልሙድ ናይ ቤተክርስትያን ጕስነታዊ ኣገልግሎት ኪጥቀሙ ይከኣሉ፥ ካብ ኣገልግሎት ርሒቖም ዚርከቡ ኵሎም ፍሉይ ዝኾነ ተገዳስነትን ኀልዮትን ኪግበረሎም ይግባእ። ከም’ዚኦም ካብ ዝበሉ ጕጅለታት፣ ኃት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተንቀሳቐስቲ፣ ስደተይናታት...ይርከቡዎም (.. 2 ብዛዕባ ተልእኮ፣ ኣቡናት 18) ምእንት’ዚ ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ናይ መነባብሮን ስራሕን ዕድል ኪረኽቡ... (ስራሕ-ወድሰብ Laborem Exercens.23) ዚንቀሳቐሱ ሰባት ሃለgትን ኵነታትን ንቤተክርስትያን ኣዝዩ ኪግድሳ ከም ዚርከብ፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለምን ምስ ዓለምን g ርክብ ዚዛረብ ናይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነድ፣ ፈላሚ ቃላቱ ንርድኦ፥ ኣብዚ g ናይ ለዉ ደቅሰባት ብፍላይ ድማ፣ ናይ’ቶም መሳኺን ድኻታትን ብዝተፈላለየ ዓይነት ዝተወጽዑን ኵሎም ታሕጓስን ተስፋን፣ ጸበባን መከራን ኵሉ፣ ናይ’ቶም ተኸተልቲ ክርስቶስ (ናይ ቤተክርስትያን) ታሕጓስን ተስፋን፣ መከራን ጸበባን’ውን እዩ። እቲ ብሓቂ ሰብኣዊ ዝኾነ ሃለgቶም ድማ ካብ ናይ ሰዓብቲ-ክርስቶስ ኣቓልቦ ዝረሓቐ ኣይኮነን (ጉባ.ቫቲ.2 ፍሥሓን ተስፋን፣ 1 Gaud. et Spes 1)
ስለ’ዚ ከኣ ሰብኣዊ ዓቕማን መደባታን ድሩት ብምዃኑ ዝጐደለን ዚጐድልን ኣገልግሎት ኪህሉ ይኽእል’ምበር፣ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ኀልዮትን ተገዳስነትንሲ ንጹር እዩ፣ ወትሩ ከኣ ብዝተፈላለየ ደረጃ፣ እታ ዝዓበየትን ዝሰፍሐትን ቤተክርስትያን ኣብ ጉባኤ፣ ብዝበለቶን፥ ..ጳጳሳት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት ዜርእዩዎ ኀልዮትን ወትሩ ዚቕጽል እዩ።
ንሕና ጓሶትኩም’ውን እዚ መዝነትን ተልእኮን ከምሎና ብምግንዛብ፥ ነዚ ሃለgትኩምን ኲሉ ግድላትኩምን ክንሓስብ እቲ ብኽርስቶስ ኣባኹም ሎና ፍቕሪ የገድደና (2ቆሮ.5 14) በዚ ፍቕር’ዚ ተደሪኽና፣ መዝነትና ንምፍጻም ብተስፋ በርትዑ ብዚብል ጸናንዕን ተባብዕን ቃላትና ንደሃየኩም ኣሎና።
ምስጋና

3.  እቲ መንፈሳዊ ናይ ጕስነትን፣ ተገዳስነትን መደብ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ውሱን ቦታታት (ሮማ፣ ሚላኖ፣ ሽቱትጋርት፣ ፍራንክፈርት፣ gሺንግተን፤ ቺካጎ፤ ሎሳንጀለስ፤ ሳንፍራንሲስኮ፤ ሎንደን፤ ከሰላ፤ ገዳርፍ) ብወግዒ ብቤተክርስትያንና፣ ተጀሚሩን ነዊሕ ተኻዪዱን እዩ። ብኣቡናት ኮነ ብማኅበራቶም ተላኢኾም ኣብ’ዚ ቦታታት’ዚ ንመእመናን ብሉጽ ተወፋይነቶምን ኣገልግሎቶምን ንዘወፈዩን ብሕጂ’ውን የወፍዩ ንዘለዉ ካህናትን ደናግልን ንዅሎም ማኅበራት፣ ልባዊ ምስጋናና ነቕርበሎም። ብዝበለጸን ብዝተወሃሃደን ኣገባብ ኪቕጽልዎ ከኣ ነተባብዖም ኣሎና።
     ኣብ ዚበዝሕ ቦታታትን ኲነታትን ግን ቅንአት-እምነቶም ብዝሓደሮም ተገደስቲ ኣኅgትን ኣኃትን ተጐሳጕስኩም ኣድማዕን ዜሓጕስን ተግባራትን ዕማማትን ብምፍጻምኩም ብልቢ ነመስግን፥ ነቲ ኪርሳዕ ይግበኦ ጕዳይ ድሕነትን እምነትን ከይረሳዕኩም፥ ንርእስኹም ተነቓቒሕኩም ንውሉድኩም ኮነ፣ ንካልኦት ኣኅgትኩም ኣኃትኩም ምንቅስቓስኩም፥ ነዚ ኽኣለኩም ልዑል ኣምላኽና ምስጋና ይብጸሓዮ። እተን ኣብ ዓዓዱን ሃሃገሩን g ቊምስናታት፣ ሰበኻታት፣ ካህናት ኲሎም’ውን ብወግዓዊ ደረጃ ኮነ በብውልቂ ኪሕግኹምን ኪግደሱልኩምን ዝተረኽቡ’ውን ነመስግኖም።
እዚ ዅሉ ዝሓለፈ በረኸትን፣ ናይ ኣምላኽ ረድኤትን ክንሓስብ ከሎና ጐይታ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ (ሉቃ.1 49) ዚብል ቃል፣ ኣብ ኣፍና የድምጽ። ምእንት’ዚ በረኸት’ዚ ከኣ ንጐይታ ነመስግኖ ንዝምረሉውን። ብዝሓለፈ ጸጋን በረኸትን ክንእመን ከሎና ንሕጅን ንዚመጽእን ኣበርቲዕና ከም ንሰርሕ ቃል ነኣቱ ኣሎና ማለት እዩ።
ኣብ’ቲ ብስደት እትነብሩሉ ሃገር፥ መንነትኩምን መንፈስ-እምነትኩምን ንምሕላው፥  ብድሕሪት ንዝሓደግኩምዎ ኣብ ጸገማት ንዚርከብ ኅብረተሰብኩምን፣ ስድራቤትኩምን ንምርዳእን ንምሕጋዝን ብእተርእይዎ ንጥፈትን ተገዳስነትን፣ እቲ ንመላእ ሰብኣዊ ሕንጸትን ብስለትን ዚርኢ ናይ ኣቦታትን ኣዴታትኩምን፣ ናይ’ቲ መሠረታዊ መዕበያኹምን መሥመር ንምሕላውን ናብ ውሉድኩም ንምምሕልላፍን ...ብእትገብሩዎ ትግሃትን ጻዕርን፣ ተደኒቕና ልባዊ ምስጋና ነቕርበልኩም ኣሎና።
4.   ቅድሚ ኃያሎይ ዓመታት፣ ኣብ’ዛ ዓባይ ከተማና (ኣሥመራ) ኣብ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶይ ቍምስና ብዝተገብረ መጽናዕታዊ ግምት (1978) ክልተ-ሢሶ ካብ ኣባላታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ለዉ ውሉዶምን ኣባላት ቤተሰቦምን ዚናበሩን፣ ዚጥወሩን ምዃኖም ዜርኢ ነበረ፥ ናይ መላእ ሃገር ነጸብራቕ ኪበሃል ዚከኣል እዩ። እዚ ናይ ኀልዮትን ሓድሕዳዊ ረድኤትን ዝንባሌ፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ፥ ፍቕሪ ብጻይ ዚገልጽ፥ መንፈስ-ክርስትና ዜረጋግጽ፣ ቀንዲ ማኅበረ-ሰባዊ መልክዕና ኮይኑ ምርካቡ፣ እቲ ባህልናን ኣተሓሳስባናን መጠን ክንደይ ብክርስትያናዊ መንፈስ ከምዝተሓንጸን ዝተዀስኰሰን ዜርኢ እዩ።
ኃት ካባኻትኩም ኪብሉና ከም ዝሰማዕናዮ፥ ካብ’ቲ ፍረ ረሃጽኩምን፣ ኣዝዩ ድሩት ዝኾነ ዓቕምኹምን መቒልኩም፣ ንሃገርኩምን ኅብረተሰብኩምን ስድራቤትኩምን ብምሕጋዝኩምን ነዚ ንምግባር ድልየትን ተገዳስነትን ብምርኣይኩም፣ እቶም ኣብ ናይ ዕለታዊ ናብራ ጸገማት ኣብ ጐድንኹም ዚቃለሱን ዚጐዩን ምዕራባውያን ኣዝዮም ከምዚግረሙን፣ እዚ ኣተናኹም’ውን ንኺርድእዎ ከምዚጽግሞምን መልክት እዩ። እዚ እንታይ የርእየና? እቲ ናተይ ንርእሰይ ጥራይ፣ ካብ ወደይ ከብደይ ነኣይ፣ ጥራሕ ይጥዓመኒ...ዚብል መንፈስ-ክርስትና ዝረሓቖ ምዕራባዊ መንፈስን ዝንባሌን ብግብራዊ ኣገባብ ከምዝነጸግኩምዎ፤ እዚ መንፈስ’ዚ ንዚኽተሉ ወገናት ከኣ፤ ናይ ኅሊና ስክፍታን ወቐሳን ከምሕደርኩምሎም ግልጺ እዩ። ኣቱም ፍቑራተይ፣ ኣጋይሽን ስደተይናታትን ...ንሠናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ፣ ንኣምላኽ ምእንቲ ከመስግንዎ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ (1ጴጥ.2 11-12) ንዚብል ለበg-ኣቦኹም ቅዱስ ጴጥሮስ gርያ ኢኹም ዝፈጸምኩም። ኣምላኽና ከኣ ድሌትኩም በለ ኵሉ ከም መጠን ሃብቱ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገቢሩ ብኽብሪ ኪመልኣኩም እዩ (ፊልጵ.4 19) ብዛዕባታ ኣብ ልብኻትኩም ተስፋ ንዚሓተኩም በለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ክትክእሉስ ኲሉሳዕ ድሉg ኩኑ። ግናኸ ብለውሃት ግበሩዎ (1ጴጥ.3 15) ብተስፋ ከኣ በርትዑ።
መበቈልኩም ምስ ዝኾነት ሃገርኩም ሎኩም ምትእስሳር፥ ብዚከኣል ብዝተፈላለየ መደብ ክትቅጽልዎን፣ ናይ መን ምዃንኩም ክትገልጹን ምጽዓርኩም ዚድነቕ እዩ። ክንየ’ውቲ እተበርክትዎ ሓገዝን ረድኤትን፣ እቲ ጕዳይ “መንነትን ዓሚቝ ስምዒትን፣ ኣብ ንን ሓጐስን፣ ኣብ ጸበባን ጸገምን፣ ...ኵሉ እትገብሩዎ ሱታፌ፣ ብኣካልን ብዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽታት ዚፍጸም ሓድሕዳዊ ርክብ ዓይነተይና ኣብነት እዩ።
ማኅበራዊ መልክዕ ዝዓ ናይ ሥነ-ምግባር ሕይወትን መደባትን ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ዝድላየይ እፈጽም፣ ሰብ ዝበለ ይበል፣ ... ካብ ዚብል ውልቀ-ስምዒት ወጺእና፣ ዝኸማይ ሰብ እንታይ ይብለኒ፣ ኃወይ ኃውተይ...እንታይ ኪብሉኒ እዮም? ዚብል መንፈስ ስክፍታን ጥንቃቐን፣ ኃባራዊ ጕዕዞን መልክቶ፥ ንሕይወትን ንብረትን ትርጕም ዚህቦ እዩ። እዚ ኵሉ ብቐሊሉ ዚፍጸም ከምይኮነ፣ ሓያል ጻዕርን ትብዓትን ዚሓትት ምዃኑ ግልጺ እዩ። ምስ’ቲ ከቢቡካ ከይብሉኒ ካብ ዚብል ስኽፍታ ወጺኡ፣ ደስ ንዝበሎ ዚፍጽምን ዚኽተልን ባህልን ኣተሓሳስባን ብርቱዕ ቃልሲ ከም’ተካይዱ ከኣ መንም ስተውዕሎ እዩ።
ሃለዋት ስደት             
5.  ስደተይና ዚበሃል፣ እቲ ዓዱን ዓውዱን ሓዲጉ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዓድ-ጓና ኪሰፍር ዝመረጸ ወይ ኪመርጽ ዝተገደደ እዩ፥ ገሊኡ ብፖሊቲካዊ ኲነታት፣ ገለ ብስራሕ ብትምህርቲ ብምርምር..... ናይ ውልቀሰባት፣ ስድራቤታት፣ ሕዝብታት ምንቅስቓስን፣ ናብ ዓድኻ ምምላስን፣ ካብ ጥንቲ ብጥቅምቲ ኣብ ኅብረተሰብ ብዝጸንሐ፣ ኣብ ናይ ድኅነትና ቅዱስ ታሪኽ’ውን፥ ኣብቲ ናይ ደቂ-ያዕቆብ ናብ ግብፂ ምኻድን፣ ካብኡ ምምላስን ናይ ስደት-ባቢሎን ኵነታትን፥ ክሳብ ናይ’ታ ቅድስቲ ስድራ ሃለg...ኵሉ ከይተረፈ ዚግለጽ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ናብራ-ስደት ብናይ ምእመናን ምድራዊ ጕዕዞ ዚምሰል ኮይኑ ተረኺቡ።
ናይ ውድብ ኅቡራት ሃገራት ጸብጻባት ከምዜመልክቶ፣ ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ኣኀዝ ስደተይናታት ዓለም ካብ 75 ሚልዮን ናብ 125 ሚልዮን ኪድይብ ተረኺቡ። ስለዚ ከኣ ሓዲሽ ተርእዮ ኮይኑ ዳርጋ ንዅለን ሃገራት ዓለም ዚትንክፍ ጕዳይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገራት ጋጥም ምምዝባል፣ ዶብ ሰጊርካ ምግዓዝ፣ ብሕግን ይሕግን ምንቅስቓስ ብዝተፈላለየ ጸገማትን ምኽንያታትን ዝተደረኸ ኵነት እዩ።
ናብ ርእስና ማለት፣ ናብ ሃገርናን ሕዝብናን ክንጥምት ከሎና ድማ፣ እዚ ተርእዮ’ዚ ብፍላይ እዚ ናይ ስግር-ባሕሪ ስደት፥ ኣብ ዛንታ ኣቦታትን ኣቦሓጐታትን ይጸንሓና፣ ይሰማዕናዮ፣ ኣብ’ ናይ መወዳእታ 40 ዓመታት ዝተኸሥተ ነቲ ጋጠመ ፖለቲካዊ ጸገማትን ስዒቡዎ ዝመጸ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን ሃለg ተኸቲሉ ዝተበጋገሰን፤ ቀጺሉ ዝተንቀሳቐሰን ምዃኑ እዩ።
ካብ’ቲ ገሊኡ ናይ ስደት ኣወንታዊ ውጽኢታቱ ንምዝካር-ሕዝብታት ኪፋለጡ ዕድል ይህብ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን፣ ንብረትን ከኣ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ናይ gስኦ (ዲያሎግ) መንፈስ ይምዕብል። ናብ ሥምረትን ኅብረትን ከኣ ይመርሕ። ስደት ብመንፅር ዝተፈላለየ ሥልጣኔታት ኪረአ ከሎ መምጽኢ ሃብትን በርከትን እውን እዩ። ብኻልእ ወገናት ድማ ስደተይናታትን ተቐበልትን (ደቀባት) ተኸባቢሮም ተፋቒሮም ተጸgዊሮም ኺነብሩ ከምዚኽእሉ ረጋግጹሉ ዕድል ወይ ቤት ትምህርቲውን እዩ።
ጸገማት ስደትን ሳዕቤናቱን  
6.  ናብራ-ስደት ከይፈቶኻ ዚምረጽ ምዃኑ፤ ካብ ቤትካን ስድራቤትካን ወጺእካ ይትፈልጦ መንገድን ኣገባብን፣ ናብ ይትፈልጦ ዓድን መደብን ምብጋስ ምጽኦ ጥርጥርን ስግኣትን ፈተናታትን፣ ክንየው’ቲ ጸገማትን ድኻማትን ስዕቦ ናይ ኅሊና ነውጽን ተርባጽን...ስነልቦናዊ ሃለg መሪር እዩ። ነፍስወከፍ ካባኹም በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ስለዝኾነ ብዛዕባ’ዚ ነናቱ ዚብሎን ንትዎን g ከምለዎ ግልጺ እዩ። ኣብ ዓዲጓና ሰሪሕካ ርሂጽካ፣ ካብ ባዶ ተበጊስካ ሕይወትካ፣ ሕይወት ስድራቤትካ ክትሓንጽ ላዕልን ታሕትን ምባል፤ መጠን ክንደይ ዚኣክል፣ መንፈሳውን ሥነልቦናውን ድኻም፣ ጽምg... ከምለዎ ኣይከሓድን፣
ኣብ ገሊኡ’ውን ብሰንኪ’ቲ ጽንኩርን ይንጹርን ዝኾነ ጕዕዞ-ስደት፣ ብቑዕ ዝኾነ ሰነዳትን፣ ናይ መንበሪ ፍቓዳትን ይምርካብ ዚመጽእ ሰንፈላል ዝዓብለሎ ኣካይዳ፤ ብምኽንያት ሰነዳትካን ናይ መንበሪ ፍቓዳትካን፤ ብሰንኪ gሕዲ-ትምህርትኻን ተመክሮኻን፣ ኣብ ዝተሓተን ዝጸገመን ሃለgት-ስራሕ gፊርካ ምስራሕ ብኅሊና ይተዓግበሉ፤ ብጥዕና እትጕደኣሉ ሃለg ዜጓንፍ እዩ።
ሞራልን፥ ሰብኣዊ ሕይወትን
7.  ድልዱል ስድራቤት ዝዓንድማእከሉ፣ ኣብ ፍርሃት-እግዚኣብሔር ዝተመርኰሰ፣ ኣብ ፍቕርን ክብርን ወድሰብ ዝተሓንጸ ኅብረተሰብ ዓቢኻን ተዀስኵስካን፤ ካብ’ዚ ድልዱል መዕበያ ዝተቐበልካሉ ወጺእካ፥ ኣብ ዓድ-ጓና ዓዲ-ስደት ምንባር ማለት፥ ካብ ባሕሪ ወጺኡ ናይ ዚነብር ዓሣ ሕይወት ኪመስል፤ ምእንት’ዚ ከኣ ናይ ሞት፣ ናይ ሕየት ቃልሲ ከካይድ ንቡር ይኸውን። ልዕሊ ኵሉ ድማ እዚ ቃልስ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ሃለgትን ኣብ ናይ ኅሊና ኵነታትን ዜጋጥም እዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ናይ ዕለታዊ ሕይወት መነባብሮ ይንጸባረቕ። ነቲ ዝዓበኻሉ መምርሒ ሕይወትን መደብ ሰብኣውነትን ተኸቲልካዶ ምኻድ የሓይሽ? ወይስ ንከባቢኻ ምምሳል? ከም’ታ እናናሳዕ መልክዓ እትለgውጥ ነፋሒቶ ምስ ከባቢኻ ምልውgጥዶ ወይስ ነታ ዝነበረትካ ከይለወጥካ ምዕቃብ? ኣብ ዓደይ ኣብ መንጎ ስድራቤተይ ይምገበርክዎ፣ ኣብ’ዚኸ ክገብሮ ኅሊናይ የፍቅዶዶ? እዝን ካልእ ዚመስሎ ውሽጣውን ግዳማውን ክትዓት ጸዊርካ ዚኽየደሉ እዩ።
8.  ብመንፈሳውን ባህላውን ማኅበራውን መዳያት፣ እቲ ስደተይና ንዝነበሮን ሒዝዎ ንዝመጽአን፣ ነቲ ኣብ ዓዲ-ስደቱ ጓንፎ መነባብሮን ብደረጃ ስነሓሳብ ይኹን ብተግባር ብኸመይ የላፍኖ? ክሳብ መጠን ክንደይ የወሃህዶ? ጨሪሽካ ናትካ ገዲፍካ ኣብ ናይ’ቲ ኣንግደካ ሕዝብን ዓድን ኵነታት ምስጣም ምጽኦ ጸገማትን ናይ መንነት ቅልውላgትን ፈጺምካ ማዕጾኻ ብምዕጻው ኣይርኢ ኣይሰምዕ ኢልካ፤ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከብ ዝኾነ ናይ “ዲያሎግ (gስኦ) ናይ ምሃብ ምቕባል መደብ ይተካይደሉ ዕሙት ኣገባብከ ኣበይ ከብጽሕ እዩ?... ስለ’ዚ እቲ ሕይወት ብቐሊል ይግመት፣ ዚርአን ይርአን ጸገማት ተጻዊሩ ሰጊሩ ዚካየድ ብርቱዕ ሕይወት እዩ።
   ምስዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት፣ ጋጥም ናይ ዕድመን ኣተሓሳስባን ፍልልይ፥ ነቲ ምዕራባዊ ሥልጣኔን ቅዲ-ሕይወትን ምስቲ ዝጸንሓካ ልምድን መንገድን ኣወሃሂድካ ካብ ይምኽኣልን ዚመጽእ፥ ቀሊል ይኮነ ግርጭታት ከይከርናዮ ኣይንሓልፍን። ብሰንክ’ዚ ክንደይ ሓዳር ይተበተነ! ኣብ ክንደይ ወለድን ውሉድን ይምርድዳእ ይተፈጥረ!!
ኣብ እዋን ስደት ዚህሰዩ ወገናት፥
ሥድራቤት
9.  ኣብ ሃለgት-ስደት እቲ ብዝለዓለ ደረጃ፤ ውሽጣውን ግዳማውን፤ ፍን መንፈሳውን ጸገማት ዚቕበል ስድራቤት እዩ። በዓልኪዳን ካብ በዓልቲ-ኪዳኑ፣ በዓልቲኪዳን ካብ በዓልኪዳና፣ ወላዲ ካብ ውሉዱ፥ ወለድን ውሉድን ዚፈላለዩሉ ኵነታት ዜስዕብ እዩ፥ እዚ ጽምg ተነጽሎን ንርእሱ ዜምጽኦ ጠንቂ ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ሓድነት ስድራቤት፣ ሓድነት ኪዳናዊ ሕይወት ዚህሰየሉን ዚቘስለሉን ሃለg ይኸውን። እዚ ጸገም’ዚ ከኣ ኣብ’ቲ ናብ ሕይወት-ስደት ገጽካ እትገብሮ ጕዕዞ ስድራቤት ክሳብ እትተኣኻኸብ ዚርአ እንኪኸውን፥ ድሕሪ ምትእኽኻብ’ውን ሰሪሕካ ንኽትነብር ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፣ ናይ ሰዓታት ስራሕን ዕረፍትን ይምግጥጣም ምጽኦ ጸገማት ከይተራኸብካን፣ ፍቕርን ሓድነትን ከየስተማቐርካን ከይጸገብካን ዚንበረሉ ሕይወት ይኸውን።
     ተነጽሎን ጽምgን፣ ካልእ ናይ ማኅበራዊ ሃለg ጽልgን፣ ምጸኦ ተጽዕኖውን ሓድነት-ኪዳንን ስድራቤትን ኣብ ጠንቂ ኣብ ዚወድቀሉ ኵነታት፣ -ኣብ መንጎ ሰበኺዳን ፍትሕ፣ ኣብ ወለድን ውሉድን ጋጥም ይምርድዳእን ይምውህሃድን፥ ከም ሳዕቤኑ ሓሺሽ፣ ቈጽለመጽሊ ኣልኮሆል ካልእ ዚመስሎ ነገራትን የስዕብ።
     ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዕጫ-ስደት ዝጠዓሙ ደጊም ናብ ሽምግልና ገጾም ዚገማገሙ ወገናትና ከምለዉ’ውን ፍሉጥ እዩ። ድኻምን እርጋንን ዜንጸላልዎም፥ ዚጽበዮም ጽምg ተነጽሎን’ውን ቀሊል ከምይኮነ ይርደኣና። ናብ’ቲ መበቈሎምን ናታቶም ዚረኽቡሉን ዓዶም ከመዓድዉ ከኣ ንቡር እዩ። ኣብ’ዚ ኲነት’ዚ ዚርከብ ናብ’ቲ ልቡ ኪዓልበሉን፣ ረሓት ኪረኽበሉን ዚኽእል ንዓዱ፣ ንምምላስ ትብዓት ኬሕድር ጽቡቕ ምኾነ።