ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ
ካቶሊካውያን ምእመናን ደቂ-ሃገርን፤
ካቶሊካውያን ምእመናን ደቂ-ሃገርን፤
ንዅሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን
ዝተጻሕፈ
ሓዋርያዊት መልእኽቲ
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
ነሓሰ
2004
መባእታ
1. * ብፍቓድ እግዚኣብሔርን፣ ብሥምረት መንበረ-ጴጥሮስን፥
* ናይ’ታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጓሶት ካብ ዝኾኑ ጳጳሳት
* ካብ’ዛ ሃገር ተበጊሶም ኣብ ኵለን ሃገራት ናብ ዘለዉ ካቶሊካውያን ምእመናን፥
* ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፥ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታናን ጸጋን ሰላምን፡
ነኣኻትኩም ይኹን (1ቆሮ.1፣ 1-2)፣
ነኣኻትኩም ይኹን (1ቆሮ.1፣ 1-2)፣
ማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ ብዝተፈላለየ ሰብ-ሰርሖ ግድላትን ማዕበላትን እናተጸፍዐ ኣብ ዚህወኸሉ እgን፣ “ብክርስቶስ ምእማንኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለዝተሰምዐት፣ ቅድሚ ኵሉ ብዛዕባ ኵላትኩም ንኣምላኽና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና፣ ከየቋረጽና ኵሉ ጊዜ ኣብ ጸሎትና ንዝክረኩም” (ሮሜ.1፣ 8-9)።
እግዚአብሔር ብዘሕደረሎም ርድኢትን ብዝሃቦም ምድራዊ በረኸትን ተሓጊዞም ናይ ዑቕባ ዕድል ዝሃቡኹም፣ ኣብ መንጎኦም እትነብሩ ሃገራትን ሕዝብታትን፣ ብፍላይ ከኣ እተን ብኃልዮት ኣምላኽን ብናይ እንተላዕለ ኲሉ ቤተክርስትያን ኃልዮትን ተደሪኸን ዚስዕባኹምን ዚጓስያኹምን ሰበኻታትውን፣ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ብመንፈስ ምስጋና ንዝክረን ኣሎና።
ንእምነት-ክርስትናን መንፈሱን ኣብ ዚፈታተን፣ ፈጺሙ’ውን ኣብ ዚነጽግ ዓለም ኮይንኩም እምነትኩም ንምሕላውን፣ በዛ እምነት ተመሪሕኩም ንምንባርን እትገብርዎ ጻዕርን ትግሃትን ተገንዚብና፥ “በታ ዘላትና እምነት ንሓድሕድና ምእንቲ ክንጸናናዕ” (ሮሜ.1፣ 12) ንጽሕፈልኩም ኣሎና። ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን (11፣ 1) ከምዚንገረና ድማ፥ እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከምንረኽቦ ዜረጋግጽ ብምዃኑ፣ ከምኡ’ውን “ብተስፋ ከምዝደሓንና” (ሮሜ፣ 8፣ 24) ስለእንፈልጥ፥ እስኪ ብተስፋ ንበርትዕ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኬንያን ንዚነብሩ ምእመናንና ኣብ ዝገበርናዮ ሓዋርያዊ ዑደት (ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፤ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ) ብዘዋህለልናዮ ተመክሮን ትዕዝብትን ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ (ብ3 ግንቦት 2004) ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ሮማ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ምእመናን-ስደተይናታት ዚርኢ ዝሃበቶ መምርሕን ማዕዳን ዝሓዘ ሰነድ (ኤርጋ ሚግራንተስ ካሪታስ ክርስቲ = ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ-ሰደተይናታት) ምኽንያት ብምግባር፣ በዛ ሓዋርያዊት መልእኽትና ምሳኻትኩም ክንዋሳእ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ። ናይ ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕገቀኖና ከኣ ነዚ እንገብሮ ዘሎና ብሥርዓት ዚእዝዞ እዩ።
==========================================================
“ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዚመጽእ፤ ኃይሊ-ኣምላኽ ኪሕልወኩም እዩ። ሽሕ’ኳ ሕጂ ንቝሩብ ግዜ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተኾነ፤ በዚ ክትሕጐሱ ኢኹም”። እዚ ከኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። ወርቂ ሽሕ ግዜ ብሓዊ ይኰላዕ እምበር በራሳይ እዩ። እምነትኩም ግና ምስ ተፈተነት ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ዋጋ ኣለዋ። ከመይ ኢየሱስ ኪግለጽ ከሎ፤ ምስጋናን ስብሓትን ከተምጽኣልኩም እያ። (1ጴጥ.1፣5-7)
==========================================================
1ይ ክፍሊ
ካብ ኀልዮት-ቤተክርስትያን
ውጹኣት ኣይኮንኩምን
ውጹኣት ኣይኮንኩምን
2. “ብምኽንያት ሃለgቶም ኣብቲ ልሙድ ናይ ቤተክርስትያን ጕስነታዊ ኣገልግሎት ኪጥቀሙ ዘይከኣሉ፥ ካብ’ዚ ኣገልግሎት’ዚ ርሒቖም ዚርከቡ ኵሎም ፍሉይ ዝኾነ ተገዳስነትን ኀልዮትን ኪግበረሎም ይግባእ። ከም’ዚኦም ካብ ዝበሉ ጕጅለታት፣ ብዙኃት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተንቀሳቐስቲ፣ ስደተይናታት...ይርከቡዎም” (ጉ.ቫ. 2ይ፥ ብዛዕባ ተልእኮ፣ ኣቡናት 18)። ምእንት’ዚ ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ” ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ናይ መነባብሮን ስራሕን ዕድል ኪረኽቡ...” (ስራሕ-ወድሰብ Laborem Exercens.23) ዚንቀሳቐሱ ሰባት ሃለgትን ኵነታትን ንቤተክርስትያን ኣዝዩ ኪግድሳ ከም ዚርከብ፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለምን ምስ ዓለምን ብዘለg ርክብ ዚዛረብ ናይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነድ፣ ፈላሚ ቃላቱ ንርድኦ፥” ኣብዚ እgን’ዚ ናይ ዘለዉ ደቅሰባት ብፍላይ ድማ፣ ናይ’ቶም መሳኺን ድኻታትን ብዝተፈላለየ ዓይነት ዝተወጽዑን ኵሎም ታሕጓስን ተስፋን፣ ጸበባን መከራን ኵሉ፣ ናይ’ቶም ተኸተልቲ ክርስቶስ (ናይ ቤተክርስትያን) ታሕጓስን ተስፋን፣ መከራን ጸበባን’ውን እዩ። እቲ ብሓቂ ሰብኣዊ ዝኾነ ሃለgቶም ድማ ካብ ናይ ሰዓብቲ-ክርስቶስ ኣቓልቦ ዝረሓቐ ኣይኮነን” ። (ጉባ.ቫቲ.2ይ፣ ፍሥሓን ተስፋን፣ 1 Gaud. et
Spes 1)።
ስለ’ዚ ከኣ ሰብኣዊ ዓቕማን መደባታን ድሩት ብምዃኑ ዝጐደለን ዚጐድልን ኣገልግሎት ኪህሉ ይኽእል’ምበር፣ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ኀልዮትን ተገዳስነትንሲ ንጹር እዩ፣ ወትሩ ከኣ ብዝተፈላለየ ደረጃ፣ እታ ዝዓበየትን ዝሰፍሐትን ቤተክርስትያን ኣብ ጉባኤ፣ ብዝበለቶን፥ ር.ሊ.ጳጳሳት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት ዜርእዩዎ ኀልዮትን ወትሩ ዚቕጽል እዩ።
ንሕና ጓሶትኩም’ውን እዚ መዝነትን ተልእኮን ከምዘሎና ብምግንዛብ፥ ነዚ ሃለgትኩምን ኲሉ ግድላትኩምን ክንሓስብ “እቲ ብኽርስቶስ ኣባኹም ዘሎና ፍቕሪ የገድደና” (2ቆሮ.5፣ 14)። በዚ ፍቕር’ዚ ተደሪኽና፣ መዝነትና ንምፍጻም “ብተስፋ በርትዑ” ብዚብል ዘጸናንዕን ዘተባብዕን ቃላትና ንደሃየኩም ኣሎና።
ምስጋና
3. እቲ መንፈሳዊ ናይ ጕስነትን፣ ተገዳስነትን መደብ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ውሱን ቦታታት (ሮማ፣ ሚላኖ፣ ሽቱትጋርት፣ ፍራንክፈርት፣ gሺንግተን፤ ቺካጎ፤ ሎሳንጀለስ፤ ሳንፍራንሲስኮ፤ ሎንደን፤ ከሰላ፤ ገዳርፍ) ብወግዒ ብቤተክርስትያንና፣ ተጀሚሩን ነዊሕ ተኻዪዱን እዩ። ብኣቡናት ኮነ ብማኅበራቶም ተላኢኾም ኣብ’ዚ ቦታታት’ዚ ንመእመናን ብሉጽ ተወፋይነቶምን ኣገልግሎቶምን ንዘወፈዩን ብሕጂ’ውን የወፍዩ ንዘለዉ ካህናትን ደናግልን ንዅሎም ማኅበራት፣ ልባዊ ምስጋናና ነቕርበሎም። ብዝበለጸን ብዝተወሃሃደን ኣገባብ ኪቕጽልዎ ከኣ ነተባብዖም ኣሎና።
ኣብ ዚበዝሕ ቦታታትን ኲነታትን ግን ቅንአት-እምነቶም ብዝሓደሮም ተገደስቲ ኣኅgትን ኣኃትን ተጐሳጕስኩም ኣድማዕን ዜሓጕስን ተግባራትን ዕማማትን ብምፍጻምኩም ብልቢ ነመስግን፥ ነቲ ኪርሳዕ ዘይግበኦ ጕዳይ ድሕነትን እምነትን ከይረሳዕኩም፥ ንርእስኹም ተነቓቒሕኩም ንውሉድኩም ኮነ፣ ንካልኦት ኣኅgትኩም ኣኃትኩም ምንቅስቓስኩም፥ ነዚ ንዘኽኣለኩም ልዑል ኣምላኽና ምስጋና ይብጸሓዮ። እተን ኣብ ዓዓዱን ሃሃገሩን ዘለg ቊምስናታት፣ ሰበኻታት፣ ካህናት ኲሎም’ውን ብወግዓዊ ደረጃ ኮነ በብውልቂ ኪሕግዙኹምን ኪግደሱልኩምን ዝተረኽቡ’ውን ነመስግኖም።
እዚ ዅሉ ዝሓለፈ በረኸትን፣ ናይ ኣምላኽ ረድኤትን ክንሓስብ ከሎና “ጐይታ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ” (ሉቃ.1፣ 49) ዚብል ቃል፣ ኣብ ኣፍና የድምጽ። ምእንት’ዚ በረኸት’ዚ ከኣ ንጐይታ ነመስግኖ ንዝምረሉውን። ብዝሓለፈ ጸጋን በረኸትን ክንእመን ከሎና ንሕጅን ንዚመጽእን ኣበርቲዕና ከም ንሰርሕ ቃል ነኣቱ ኣሎና ማለት እዩ።
ኣብ’ቲ ብስደት እትነብሩሉ ሃገር፥ መንነትኩምን መንፈስ-እምነትኩምን ንምሕላው፥ ብድሕሪት ንዝሓደግኩምዎ ኣብ ጸገማት ንዚርከብ ኅብረተሰብኩምን፣ ስድራቤትኩምን ንምርዳእን ንምሕጋዝን ብእተርእይዎ ንጥፈትን ተገዳስነትን፣ እቲ ንመላእ ሰብኣዊ ሕንጸትን ብስለትን ዚርኢ ናይ ኣቦታትን ኣዴታትኩምን፣ ናይ’ቲ መሠረታዊ መዕበያኹምን መሥመር ንምሕላውን ናብ ውሉድኩም ንምምሕልላፍን ...ብእትገብሩዎ ትግሃትን ጻዕርን፣
ተደኒቕና ልባዊ ምስጋና ነቕርበልኩም ኣሎና።
4. ቅድሚ ኃያሎይ ዓመታት፣ ኣብ’ዛ ዓባይ ከተማና (ኣሥመራ) ኣብ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶይ ቍምስና ብዝተገብረ መጽናዕታዊ ግምት (ብ1978) ክልተ-ሢሶ ካብ ኣባላታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዘለዉ ውሉዶምን ኣባላት ቤተሰቦምን ዚናበሩን፣ ዚጥወሩን ምዃኖም ዜርኢ ነበረ፥ ናይ መላእ ሃገር ነጸብራቕ ኪበሃል ዚከኣል እዩ። እዚ ናይ ኀልዮትን ሓድሕዳዊ ረድኤትን ዝንባሌ፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝተመርኰሰ፥ ፍቕሪ ብጻይ ዚገልጽ፥ መንፈስ-ክርስትና ዜረጋግጽ፣ ቀንዲ ማኅበረ-ሰባዊ መልክዕና ኮይኑ ምርካቡ፣ እቲ ባህልናን ኣተሓሳስባናን መጠን ክንደይ ብክርስትያናዊ መንፈስ ከምዝተሓንጸን ዝተዀስኰሰን ዜርኢ እዩ።
ብዙኃት ካባኻትኩም ኪብሉና ከም ዝሰማዕናዮ፥ ካብ’ቲ ፍረ ረሃጽኩምን፣ ኣዝዩ ድሩት ዝኾነ ዓቕምኹምን መቒልኩም፣ ንሃገርኩምን ኅብረተሰብኩምን ስድራቤትኩምን ብምሕጋዝኩምን ነዚ ንምግባር ድልየትን ተገዳስነትን ብምርኣይኩም፣ እቶም ኣብ ናይ ዕለታዊ ናብራ ጸገማት ኣብ ጐድንኹም ዚቃለሱን ዚጐዩን ምዕራባውያን ኣዝዮም ከምዚግረሙን፣ እዚ ኣተናኹም’ውን ንኺርድእዎ ከምዚጽግሞምን ዘመልክት እዩ። እዚ እንታይ የርእየና? እቲ ናተይ ንርእሰይ ጥራይ፣ “ካብ ወደይ ከብደይ” ነኣይ፣ ጥራሕ ይጥዓመኒ...ዚብል መንፈስ-ክርስትና ዝረሓቖ ምዕራባዊ መንፈስን ዝንባሌን ብግብራዊ ኣገባብ ከምዝነጸግኩምዎ፤ እዚ መንፈስ’ዚ ንዚኽተሉ ወገናት ከኣ፤ ናይ ኅሊና ስክፍታን ወቐሳን ከምዘሕደርኩምሎም ግልጺ እዩ። “ኣቱም ፍቑራተይ፣ ኣጋይሽን ስደተይናታትን ...ንሠናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ፣ ንኣምላኽ ምእንቲ ከመስግንዎ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” (1ጴጥ.2፣ 11-12) ንዚብል ለበg-ኣቦኹም ቅዱስ ጴጥሮስ ሓgርያ ኢኹም ዝፈጸምኩም። ”ኣምላኽና ከኣ ድሌትኩም ዘበለ ኵሉ ከም መጠን ሃብቱ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገቢሩ ብኽብሪ ኪመልኣኩም እዩ” (ፊልጵ.4፣ 19)። ”ብዛዕባታ ኣብ ልብኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓተኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ክትክእሉስ ኲሉሳዕ ድሉgት ኩኑ። ግናኸ ብለውሃት ግበሩዎ” (1ጴጥ.3፣ 15)፥ ብተስፋ ከኣ በርትዑ።
መበቈልኩም ምስ
ዝኾነት ሃገርኩም ንዘሎኩም ምትእስሳር፥ ብዚከኣል ብዝተፈላለየ መደብ ክትቅጽልዎን፣ ናይ መን ምዃንኩም ክትገልጹን ምጽዓርኩም ዚድነቕ እዩ። ክንየ’ውቲ እተበርክትዎ ግዙፍ ሓገዝን ረድኤትን፣ እቲ ጕዳይ “መንነትን” ዓሚቝ ስምዒትን፣ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን፣ ኣብ ጸበባን ጸገምን፣ ...ኵሉ እትገብሩዎ ሱታፌ፣ ብኣካልን ብዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽታት ዚፍጸም ሓድሕዳዊ ርክብ ዓይነተይና ኣብነት እዩ።
ማኅበራዊ መልክዕ ዝዓዘዞ ናይ ሥነ-ምግባር ሕይወትን መደባትን ኣገዳሲ እዩ። ኣነ ዝድላየይ እፈጽም፣ ሰብ ዝበለ ይበል፣ ...ወዘተ ካብ ዚብል ውልቀ-ስምዒት ወጺእና፣ ዝኸማይ ሰብ እንታይ ይብለኒ፣ ኃወይ ኃውተይ...እንታይ ኪብሉኒ እዮም? ዚብል መንፈስ ስክፍታን ጥንቃቐን፣ ኃባራዊ ጕዕዞን ዘመልክቶ፥ ንሕይወትን ንብረትን ትርጕም ዚህቦ እዩ። እዚ ኵሉ ብቐሊሉ ዚፍጸም ከምዘይኮነ፣ ሓያል ጻዕርን ትብዓትን ዚሓትት ምዃኑ ግልጺ እዩ። ምስ’ቲ ከቢቡካ ዘሎ “ከይብሉኒ” ካብ ዚብል ስኽፍታ ወጺኡ፣ ደስ ንዝበሎ ዚፍጽምን ዚኽተልን ባህልን ኣተሓሳስባን ብርቱዕ ቃልሲ ከም’ተካይዱ ከኣ መንም ዘስተውዕሎ እዩ።
ሃለዋት ስደት
5. ስደተይና ዚበሃል፣ እቲ ዓዱን ዓውዱን ሓዲጉ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዓድ-ጓና ኪሰፍር ዝመረጸ ወይ ኪመርጽ ዝተገደደ እዩ፥ ገሊኡ ብፖሊቲካዊ ኲነታት፣ ገለ ብስራሕ ብትምህርቲ ብምርምር...ወዘተ..። ናይ ውልቀሰባት፣ ስድራቤታት፣ ሕዝብታት ምንቅስቓስን፣ ናብ ዓድኻ ምምላስን፣ ካብ ጥንቲ ብጥቅምቲ ኣብ ኅብረተሰብ ብዝጸንሐ፣ ኣብ ናይ ድኅነትና ቅዱስ ታሪኽ’ውን፥ ኣብቲ ናይ ደቂ-ያዕቆብ ናብ ግብፂ ምኻድን፣ ካብኡ ምምላስን ናይ ስደት-ባቢሎን ኵነታትን፥ ክሳብ ናይ’ታ ቅድስቲ ስድራ ሃለgት...ኵሉ ከይተረፈ ዚግለጽ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ናብራ-ስደት ብናይ ምእመናን ምድራዊ ጕዕዞ ዚምሰል ኮይኑ ተረኺቡ።
ናይ ውድብ ኅቡራት ሃገራት ጸብጻባት ከምዜመልክቶ፣ ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ኣኀዝ ስደተይናታት ዓለም ካብ 75 ሚልዮን ናብ 125 ሚልዮን ኪድይብ ተረኺቡ። ስለዚ ከኣ ሓዲሽ ተርእዮ ኮይኑ ዳርጋ ንዅለን ሃገራት ዓለም ዚትንክፍ ጕዳይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዘጋጥም ምምዝባል፣ ዶብ ሰጊርካ ምግዓዝ፣ ብሕግን ብዘይሕግን ምንቅስቓስ ብዝተፈላለየ ጸገማትን ምኽንያታትን ዝተደረኸ ኵነት እዩ።
ናብ ርእስና ማለት፣ ናብ ሃገርናን ሕዝብናን ክንጥምት ከሎና ድማ፣ እዚ ተርእዮ’ዚ ብፍላይ እዚ ናይ ስግር-ባሕሪ ስደት፥ ኣብ ዛንታ ኣቦታትን ኣቦሓጐታትን ዘይጸንሓና፣ ዘይሰማዕናዮ፣ ኣብ’ዘን ናይ መወዳእታ 40 ዓመታት ዝተኸሥተ ነቲ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ጸገማትን ስዒቡዎ ዝመጸ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን ሃለgት ተኸቲሉ ዝተበጋገሰን፤ ቀጺሉ ዝተንቀሳቐሰን ምዃኑ እዩ።
ካብ’ቲ ገሊኡ ናይ ስደት ኣወንታዊ ውጽኢታቱ ንምዝካር-ሕዝብታት ኪፋለጡ ዕድል ይህብ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን፣ ንብረትን ከኣ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ናይ ተgስኦ (ዲያሎግ) መንፈስ ይምዕብል። ናብ ሥምረትን ኅብረትን ከኣ ይመርሕ። ስደት ብመንፅር ዝተፈላለየ ሥልጣኔታት ኪረአ ከሎ መምጽኢ ሃብትን በርከትን እውን እዩ። ብኻልእ ወገናት ድማ ስደተይናታትን ተቐበልትን (ደቀባት) ተኸባቢሮም ተፋቒሮም ተጸgዊሮም ኺነብሩ ከምዚኽእሉ ዘረጋግጹሉ ዕድል ወይ ቤት ትምህርቲ’ውን እዩ።
ጸገማት ስደትን ሳዕቤናቱን
6. ናብራ-ስደት ከይፈቶኻ ዚምረጽ ምዃኑ፤ ካብ ቤትካን ስድራቤትካን ወጺእካ ብዘይትፈልጦ መንገድን ኣገባብን፣ ናብ ዘይትፈልጦ ዓድን መደብን ምብጋስ ዘምጽኦ ጥርጥርን ስግኣትን ፈተናታትን፣ ክንየው’ቲ ግዙፍ ጸገማትን ድኻማትን ዘስዕቦ ናይ ኅሊና ነውጽን ተርባጽን...ስነልቦናዊ ሃለgቱ መሪር እዩ። ነፍስወከፍ ካባኹም በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ስለዝኾነ ብዛዕባ’ዚ ነናቱ ዚብሎን ዜዘንትዎን ጽg ከምዘለዎ ግልጺ እዩ። ኣብ ዓዲጓና ሰሪሕካ ርሂጽካ፣ ካብ ባዶ ተበጊስካ ሕይወትካ፣ ሕይወት ስድራቤትካ ክትሓንጽ ላዕልን ታሕትን ምባል፤ መጠን ክንደይ ዚኣክል፣ መንፈሳውን ሥነልቦናውን ድኻም፣ ጽምg... ከምዘለዎ ኣይከሓድን፣
ኣብ ገሊኡ’ውን ብሰንኪ’ቲ ጽንኩርን ዘይንጹርን ዝኾነ ጕዕዞ-ስደት፣ ብቑዕ ዝኾነ ሰነዳትን፣ ናይ መንበሪ ፍቓዳትን ብዘይምርካብ ዚመጽእ ሰንፈላል ዝዓብለሎ ኣካይዳ፤ ብምኽንያት ሰነዳትካን ናይ መንበሪ ፍቓዳትካን፤ ብሰንኪ gሕዲ-ትምህርትኻን ተመክሮኻን፣ ኣብ ዝተሓተን ዝጸገመን ሃለgት-ስራሕ ተgፊርካ ምስራሕ ብኅሊና ዘይተዓግበሉ፤ ብጥዕና እትጕደኣሉ ሃለgት ዜጓንፍ እዩ።
ሞራልን፥ ሰብኣዊ ሕይወትን
7. ድልዱል ስድራቤት ዝዓንድማእከሉ፣ ኣብ ፍርሃት-እግዚኣብሔር ዝተመርኰሰ፣ ኣብ ፍቕርን ክብርን ወድሰብ ዝተሓንጸ ኅብረተሰብ ዓቢኻን ተዀስኵስካን፤ ካብ’ዚ ድልዱል መዕበያ ዝተቐበልካሉ ወጺእካ፥ ኣብ ዓድ-ጓና ዓዲ-ስደት ምንባር ማለት፥ ካብ ባሕሪ ወጺኡ ናይ ዚነብር ዓሣ ሕይወት ኪመስል፤ ምእንት’ዚ ከኣ ናይ ሞት፣ ናይ ሕየት ቃልሲ ከካይድ ንቡር ይኸውን። ልዕሊ ኵሉ ድማ እዚ ቃልስ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ሃለgትን ኣብ ናይ ኅሊና ኵነታትን ዜጋጥም እዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ግዙፍ ናይ ዕለታዊ ሕይወት መነባብሮ ይንጸባረቕ። ነቲ ዝዓበኻሉ መምርሒ ሕይወትን መደብ ሰብኣውነትን ተኸቲልካዶ ምኻድ የሓይሽ? ወይስ ንከባቢኻ ምምሳል? ከም’ታ እናናሳዕ መልክዓ እትለgውጥ ነፋሒቶ ምስ ከባቢኻ ምልውgጥዶ ወይስ ነታ ዝነበረትካ ከይለወጥካ ምዕቃብ? ኣብ ዓደይ ኣብ መንጎ ስድራቤተይ ዘይምገበርክዎ፣ ኣብ’ዚኸ ክገብሮ ኅሊናይ የፍቅዶዶ? እዝን ካልእ ዚመስሎ ውሽጣውን ግዳማውን ክትዓት ጸዊርካ ዚኽየደሉ እዩ።
8. ብመንፈሳውን ባህላውን ማኅበራውን መዳያት፣ እቲ ስደተይና ንዝነበሮን ሒዝዎ ንዝመጽአን፣ ነቲ ኣብ ዓዲ-ስደቱ ዘጓንፎ መነባብሮን ብደረጃ ስነሓሳብ ይኹን ብተግባር ብኸመይ የላፍኖ? ክሳብ መጠን ክንደይ የወሃህዶ? ጨሪሽካ ናትካ ገዲፍካ ኣብ ናይ’ቲ ዘኣንግደካ ሕዝብን ዓድን ኵነታት ምስጣም ዘምጽኦ ጸገማትን ናይ መንነት ቅልውላgትን ፈጺምካ ማዕጾኻ ብምዕጻው ኣይርኢ ኣይሰምዕ ኢልካ፤ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከብ ዝኾነ ናይ “ዲያሎግ” (ተgስኦ)፤ ናይ ምሃብ ምቕባል መደብ ዘይተካይደሉ ዕሙት ኣገባብከ ኣበይ ከብጽሕ እዩ?... ስለ’ዚ እቲ ሕይወት ብቐሊል ዘይግመት፣ ዚርአን ዘይርአን ጸገማት ተጻዊሩ ሰጊሩ ዚካየድ ብርቱዕ ሕይወት እዩ።
ምስዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት፣ ዘጋጥም ናይ ዕድመን ኣተሓሳስባን ፍልልይ፥ ነቲ ምዕራባዊ ሥልጣኔን ቅዲ-ሕይወትን ምስቲ ዝጸንሓካ ልምድን መንገድን ኣወሃሂድካ ካብ ዘይምኽኣልን ዚመጽእ፥ ቀሊል ዘይኮነ ግርጭታት ከይዘከርናዮ ኣይንሓልፍን። ብሰንክ’ዚ ክንደይ ሓዳር ዘይተበተነ! ኣብ ክንደይ ወለድን ውሉድን ዘይምርድዳእ ዘይተፈጥረ!!
ኣብ እዋን ስደት ዚህሰዩ ወገናት፥
ሥድራቤት
9. ኣብ ሃለgት-ስደት እቲ ብዝለዓለ ደረጃ፤ ውሽጣውን ግዳማውን፤ ግዙፍን መንፈሳውን ጸገማት ዚቕበል ስድራቤት እዩ። በዓልኪዳን ካብ በዓልቲ-ኪዳኑ፣ በዓልቲኪዳን ካብ በዓልኪዳና፣ ወላዲ ካብ ውሉዱ፥ ወለድን ውሉድን ዚፈላለዩሉ ኵነታት ዜስዕብ እዩ፥ እዚ ጽምgን ተነጽሎን ንርእሱ ዜምጽኦ ጠንቂ ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ሓድነት ስድራቤት፣ ሓድነት ኪዳናዊ ሕይወት ዚህሰየሉን ዚቘስለሉን ሃለgት ይኸውን። እዚ ጸገም’ዚ ከኣ ኣብ’ቲ ናብ ሕይወት-ስደት ገጽካ እትገብሮ ጕዕዞ ስድራቤት ክሳብ እትተኣኻኸብ ዚርአ እንኪኸውን፥ ድሕሪ ምትእኽኻብ’ውን ሰሪሕካ ንኽትነብር ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፣ ናይ ሰዓታት ስራሕን ዕረፍትን ዘይምግጥጣም ብዘምጽኦ ጸገማት ከይተራኸብካን፣ ፍቕርን ሓድነትን ከየስተማቐርካን ከይጸገብካን ዚንበረሉ ሕይወት ይኸውን።
ተነጽሎን ጽምgን፣ ካልእ ናይ ማኅበራዊ ሃለgት ጽልgን፣ ብዘምጸኦ ተጽዕኖውን ሓድነት-ኪዳንን ስድራቤትን ኣብ ጠንቂ ኣብ ዚወድቀሉ ኵነታት፣ -ኣብ መንጎ ሰበኺዳን ፍትሕ፣ ኣብ ወለድን ውሉድን ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ዘይምውህሃድን፥ ከም ሳዕቤኑ ሓሺሽ፣ ቈጽለመጽሊ ኣልኮሆል ካልእ ዚመስሎ ነገራትን የስዕብ።
ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዕጫ-ስደት ዝጠዓሙ ደጊም ናብ ሽምግልና ገጾም ዚገማገሙ ወገናትና ከምዘለዉ’ውን ፍሉጥ እዩ። ድኻምን እርጋንን ዜንጸላልዎም፥ ዚጽበዮም ዘሎ ጽምgን ተነጽሎን’ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ይርደኣና። ናብ’ቲ መበቈሎምን መዘናታቶም ዚረኽቡሉን ዓዶም ከመዓድዉ ከኣ ንቡር እዩ። ኣብ’ዚ ኲነት’ዚ ዚርከብ ናብ’ቲ ልቡ ኪዓልበሉን፣ ረሓት ኪረኽበሉን ዚኽእል ንዓዱ፣ ንምምላስ ትብዓት ኬሕድር ጽቡቕ ምኾነ።
Nessun commento:
Posta un commento