giovedì 14 agosto 2014

ድሕረ ባይታ ብዛዕባ ፍሉይ ራፖርትዋ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ንውልቀ ጥርዓናት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መሕትት

ኣብ ነሓሰ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ፍሉይ ራፖርትዋ መዚዙ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሳኔ 20/20
1.       ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣትሪሩ ኮኒኑ፡
() ሰበስልጣን ኤርትራ ብቀጻሊን  ብዝተፈላለየ መንገድን ዝካይድዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊያን ሓርነታት፡ ከምኡውን ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ምስዋር፡ መግረፍቲ፡ ናብ ናይ ፍርዲ ትካላት ከይቀረብካ ምእሳር፡ ኢሰብኣዊን ሰብኣዊ ኽብሪ ዘንኣእስ ኣተሓሕዛ እሱራት፤
() ሓሳብካ ናይ ምገላጽ መሰል፡ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል፡ ናይ ምሕሳብ፡ ምእማን ናይ ምእካብን ማሕበር ናይ ምምስራትን መሰል ብኸቢድ  ምድራቱ፡ ብተወሳኪ ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቐቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠለቡ፡ ሃይማኖታዊያን መራሕቲ ምእመናን ብምእሳሮም፤
() ዜጋታት ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግዴታ ምዕስካሮም፡ ብተወሳኪ ትሕቲ ዕደመ ብሓይሊ ምዕስካሮምን ኣብ ናይ ዕደና ትካላት ከምዝሰርሑ ምገዳድን። ቤተሰብ ካብ ሃገራዊ ኣገልገሎ ዝሃድሙ ምእሳርን፤
() ኣብ ዶባት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ  ስግረዶብ ንዝፍትኑ ዜጋታት ናይ ተኩሰካ- ቅተል ዝብል መምርሒ ምክታል፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋትት ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ቀረጽን ካልኦት መቅጻዕቲን፡ ብፍልይ ድማ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ዝተጠረዙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝፍጸመ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፤
() ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ምስ ዓለምለኻውያን ይኹን ዞባውያን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ክተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም፡
2.       መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕድር ነዚ ዝስዕብ ስጉምቲ ክወስድ ይጽውዕ
() ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መግረፍቲ፡ ከምኡውን ኢሰብኣዊን ክብረት ዘንኣእስን መቅጻእቲ ኹሉ ደው ክብል፤
() ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ እንኾላይጉጅለ-11” ክፍትሑ፤
() ንኹሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እሱራት ኣብ ነጻን ፍትሓውን ናይ ፍርዲ ትካልት ክቀርቡ፡ቤተሰብ እሱራት ናይ ምብጻሕ መሰል ክሕለወሎም፡ ሕጋዊያን ጠበቃታት፡ ሕክምናዊ ክንክን ክፍቐደሎም፡ ወከልቲ ዓለምለኻዊ ትካል ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላን ቤት ማሕቡስ ክበጽሑ ክፍቐደሎም፤
() ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎ ደው ክብል፤
() ሰብኣዊ መሰላትን ረዲኤታዊ ትካላትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ብዘይፍርሒ ንክሰርሓ ክፍቐደለን፤
() ናይ ምዝራብን ሃይማኖትን እምነትን ናጽነት ክኽበር፤
() ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ዝምልከት ዝተገብረ ዳህሳስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመሓላለፉ እማመታት ከተግብርን፡ ዝተካየደ ምምሕያሻት እንትሎ ጸብጻብ ከቕርብ፤
() ንቤተሰብ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾብለሉን ካብ ሃገር ዝሃደሙ ዜጋታት ዘቃንዐገበነኛ-ብምትሕብባርዝብል ፖሊሲ ዶው ክብል፡
() ምስ ቤት/ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ክትሓባበር፡ ምሰዚ ተተሓሒዙ ካብ ላዕለዋይ ኮምሽነር ሕቶ ኣብ ዝቀረበሉ እዋን ምስ ኩለን ተልእኾታት፡ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ውዕል፡ ኩሎም ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት መካኒዝምስን ምስ ዓለምለኻውያን ይኹን ዞባውያን ናይ ሰብኣዊ መሰላት መካኒዝምስ ክተሓባበር፤
()ብመሰረት ዝኣተዎ መብጽዓታት ዓለምለኻዊ ግዴታት ከማልእን ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ከኽብር፡ ብፍላይ ድማ ውሳኔ ቁጽሪ 1907 (2009) ናይ 23 ታሕሳስ 2009 2023 (20011) ናይ 5 ታሕሳስ 2011 ከማልእ፤
() ንቤት/ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ንመንነት፡ ወሕስነት፡ ጥዕናን፡ ሃለዋትን ኩሎም እሱራትን፡ ሃለዋት ዘጥፍኡ ሰባት፡ ብተወሳኺ ንጅቡታዋን ወተሃደራትን ጋዜጠኛታትን ዝመልከት ኣድላዪ ሓበሬታ ክህብ፤
() እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቀ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ተግባር ከውዕል ክገብር፡
3.       ነቶም ኣብ ናይ ዕለት 10 ክሳብ 12 ሰነ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተገብረ ውግእ ሃለዋት ዘጥፍኡ ወተሃደራት ዝምልከት ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ክልግስን፡ ምኽንያቱ ዝምልከቶም ትካላት ሃለዋቶምን ኩነታት ጅብታውያን ምሩኻት ኵናት ንምርግጋጽ ክጥዕሞም፤
4.        ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ቤት ምኽሪ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጻብጻብ ንኸቕርብ ፍሉይ ራፖርትዋ መዚዙ፤
5.       ዋና ጻሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝተመዘዘ ፍሉይ ራፖርትዋ ንዘተዋህቦ/ ሓላፍነት ብግቡእ  ንምፍጻም ኣድለዪ ዝባሃል ንዋታዊ ሓገዝ ንክልግስ ይሓትት፡
6.       ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሓላፍነቱ ውሲዱ ከምዘሎ የረጋግጽ።
ኣብ መበል 21 ርክቡ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንወይዘሪት ሺላ . ከታሩት ከም ፍሉይቲ ራፖርትዋ ናይ ኤርትራ ኮይነ ከተገልግል መዚዝዋ። ወይዘሪት ሺላ ከም ናይ መጀመርታ ፍሉይቲ ራፖርትዋ ናይ ኤርትራ ካብ 1 ሕዳር 2012 ኣትሒዛ ሓላፍነታ ተቐቢላ። ወይዘሪት ሺላ ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊያን ሓርነታትን ናይ ማስተርስ ማዓርግ ካብ ዩኒቨርሲ ሊቸስተር ዓባይ ብርጣንያ ዝተመረቐት ኮይና 25 ዓመት ዝአክል ኣብ ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መጽናዐታዊ ስርሓት፡ ተሓላቕነት፡ ጥብቅና፡ ተጣበቐቲ ኣብ ምስልጠን፡ ከምኡውን ከም ጋዜጠኛ  ኮይና ዘገልገለት እያ። ኣብ 1997 ድማ ኣብ ሞርሸስ ማሕበር ጠበቃታት ተጸምቢራ። ድሕሪ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ኣምነስቲ እንተርናሽናል ጨንፈር ኣፍሪካ ሰሪሓ። ወይዘሪት ሺላ ብተወሳኺ ኣብ ጋምብያ ዝመደበሩ ናይ ፓንኣፍሪካ ትካል  ንሰብኣዊ መሰላትን ልምዓትን ኣብ ኣፍሪቃ ዋና ጻሓፊት ኮይና ዝገልገለትን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ፐሪቶርያ ናይ ዶክተረ ማዓርግ ሕጽይቲ ኮይና መጽናዕቲ  ኣብ ምክያድ ትርክብ።
ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተዋህባ ሓላፍነት ኣብ ምትግባር፡ እዛ ፍልይቲ ራፖርትዋ ንሓበሬታ ምልውዋጥ ክቓላጠፍ ብምባል ነዚ ወረቐት (መሕትት) ኣዳልያ። ዋላ በዚ ሞዴል መሕትት እዚ መንገዲ ዝግበር ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣገዳስነቱ ልዑል  እንተኮነ፡ ብዝኮነ ዓይነት መንገዲ ሓበሬታ ክትቅበል ደልውቲ ምኻና ክፍለጥ ይግባእ። ዕላማ ናይ መሕትት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ቅኑዕን ጽጹይን ሓበሬታ ምእካብ እዩ። እንተድኣ ኣብዚ መሕትት ዘሎ ትሕዝቶ ብምስጢር ክትሓዘልኩም ትደልዩ ኮንኩም ኣብታ ብምስጢር ክዕቀበለይ እትብል ምልክት ግብሩ። እንተድኣ ኣብዚ መሕትት ተዳልዩ ዘሎ ቦታ ዘይኣኺልኩም፡ ተወሳኺ ወረቀት ክትውስኹ ትኽእሉ ኢኹም።
ነዚ መሕትት ኣብ ትመልእሉ እዋን ዘይተረዳኣኩም ነገር እንተሎ ንፍልየቲ ራፖርትዋ ሕቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ፡ ፍሉያት ስርዓታት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ፡http://www2.ohchr.org/english/countries/er/mandate/

መሕቲት
እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሕትት ተመሊኡ በዚ ኣድራሻ ክልኣኽ ይግባእ
Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea
c/o Office of the High Commissioner for Human Rights
United Nations at Geneva
8-14 avenue de la Paix
CH-1211 Geneva 10
Switzerland
Fax: (+41) 22 917 90 06
E-mail: sr-eritrea@ohchr.org  or  urgent-action@ohchr.org  or bankenbrand@ohchr.org
(
ኣብቲ ናይ ስም ቦታ፡ Special Rapporteur on Eritrea ኢልኩም ጥቀሱ)



  1.  ሓፈሻዊ ሓበሬታ

-    እቲ ዘጋጠመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንውልቀ-ሰብ ንጉጅለ እዩ ኣጋጢሙ፧      
-    ኣበየናይ ሃገርን ሃግራትን ኣጋጢሙ፧     
-    ዜግነት ናይቲ ግዳይ እንታይ እዩ፧     
2.       መንነት ናይቲ ግዳይ
ሓበሬታ እንተድኣ እቶም ግዳያት ካብ ሓደ ንላዕሊ ኮይኖም፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ከተተሓሕዙ ከምትክእሉ ነዘኻኽር
-    ስም ኣባሕጎ      
-    ምሉእ ስም፡      
-    እትነብረሉ ቦታ ወይ መቦቆል ቦታ      
-    ዕድመ      
-    ዜግነት      

3.      ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝብሃል ምግሃስ መሰላት
-    ዕለትን ሰዓትን (እንተዘይተፈሊጡ፡ ዝቀራረብ ዕለትን ሰዓትን ጥቀስ)    
-    ቦታ ፍጻመ (ከባቢ/ ዞባ፡ ሃገር)
-    ነቲ ኣጋጢሙ ዝባሃል ምግባስ ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ኩነታት ኣፈጻጽምኡን ግለጽ/ጺ፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ መንግሰቲ ከመይን ነይሩ      
-    ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ግዳይ ኮነ ተባሂሉ ከምዝተገፈ ዝሕብር ምልክታት ኣሎ ዶ፧     
-    መንነት እቶ ነዚ በደል ዝፈጸመ/ሙን፡ ስም ወይ ኣስማት፡ ስራሕን ድርኺት ናይቲ ምግሃስ ዝፍለጥ እንትኮይኑ ጥቀስ፡     
-    እቲ ግዳይ መንነት ነቲ ወይ ነቶም ነዚ በደል ዝፈጸሙ ሰባት  ይፈልጦም ዶ፧     
-    ትካላት መንግሰቲ ነዚ ዝብሃል ዘሎ በድል/ግህሰት ኢድ ኣለዎም ዶ፧     
-    ዘይ-መንግሰቲ ትካላት ነዚ ዝብሃል ዘሎ በድል/ግህሰት ኢድ ኣለዎም ዶ፧
-    እቶም በድልቲ ናይ መንግስቲ ትካላት እንተኮይኖም መንነቶም ብንጽር ጥቐሶም (ፖሊስ፡ሰራዊት፡ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣሃዱ፡ መዝነቶም፡ ስርሖምን ..) ሕጽር ብዝበለ ንምንታይ ተሓተትቲ ምኻኖም ግለጽ።     
-    ነቲ ዝተፈጸመ በደል ዝፈልጡ መሰኻኽር እንተለዉ፡ ስሞምን፡ ዕድሚኦም፡ ዝምድንኦምን ኣድርሻኦም ጥቐስ። እንተድኣ ስሞም ክጥቀስ እንተዘይደልዮም ግን ኣዝማድ፡ ወይክኣ ሓለፍቲ መንገዲ ወዘተ እንተኾይኖም ጥቐስ፡ ተወሳኺ መርትዖ እንተሎ ድማ ጥቐስ።     
4.      እቲ/ ግዳይ፡ ቤተሰብ ወይ ዝኮነ ካልእ ሰብ ነቲ ምግሃስ ኣመልኪቱ ዝወሰዶ/ ስጉምቲ ኣሎ ዶ፧
-    ናብ ናይ መንግስቲ ትካላት (ፖሊስ፡ ኣክባር ሕጊ፡ ኣብያተ ፍርዲ) ዝተኣተወ ጥርዓን ኔሩ ዶ፧ መዓስ፧ ብመን፧     
-    ካልእ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ ዶ፧     
-    በቶም ናይ መንግስቲ ትካል ዝተወስደ ስጉምቲ ነሩ ዶ፧      
-    ንስኻ እትፈልጦ ብወገን መንግስቲ ዝተገብረ መርመራ ኔሩ ዶ፧ እንተነይሩ ከመይ ዓይነት ምርመራ ኔሩ፧ እቲ መርመራ ኣበይ በጺሑ ከምዘሎን ካልእ ዝተወሰደ ስጉምነት ኣንተሎ ጥቐስ፧     
-    ነቲ ብግዳይ ወይ ቤተሰቡ ዝቐረበ ጥርዓን መንግስቲ ትካላት እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ተዋሂቡ፧ እቲ ዝተገብረ ጥርዓን እንታይ ዓይነት ውጽኢት ኣምጺኡ፧     
-    እዚ ጥርዓን ናብ ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላት ተላኢኹ ዶ፧ እቲ ዝተገብረ ጥርዓን እንታይ ዓይነት ውጽኢት ኣምጺኡ፧     
5.       መንነት እዚ መሕትት ዝመል ስብ ወይ ትካል
-    ኣድራሻ      
-    ነዚ መሕትት ከም ግዳይ ወይ ኣብ ክንዲ እቲ ግዳይ ዘኾነ ሰብ ኢኻ መሊእካዮ፧     
-    መንነትካ ክዕቀበልካ ትደሊ እንተዀንካ ከምኡ እልካ ጥቀስ     
ነዚ መሕትት ዝመላእካሉ ዕለት፡                        

Nessun commento: